ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ፡ ብ19ን 20ን ታሕሳስ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ን2018 ዝተወጠኑ መደባት፡ ትግባረኦም ኣብ ባይታ – ብመንጽር ዝነበሩ ብልጫታትን ብድሆታትን ገምጊሙ።

ብመሰረት ዝቐረቡ ጸብጻባት፡ ልዕሊ 54 ሽሕ ሄክታር ከምእተሓርሰን ዝተፈላለየ ኣእካል ከምእተዘርአን፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – 8 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘለዎ፡ ብኣሕምልቲ ዝለምዐ ስፍሓት መሬት እውን ብ21 ሚእታዊት ክብ ብምባል 1062 ሄክታር ከምዝበጽሐ በሪሁ።

ማይን ሓመድን ንምዕቃብ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ዞባታት ዝተዃዕተ መዕቈርን ዝተሰርሐ ከትርታትን ከምኡ’ውን ዝተተኽለ ፈልስታት ኣግራብን ካልእን እውን ተዘርዚሩ።

ተሳተፍቲ፡ ኣታዊታት ብግቡእ ንከይእከቡ ዝዕንቅፉ ጠንቅታት ተጸኒዖም ፍታሕ ክርከበሎም፡ ቀረብ ማይ ከባቢ እንረኩበት ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ንባህልን ውርሻታትን ዘጽንዕ ኣካል ክቐውም፡ ዕዳጋታት ቀጻሊ ምክትታል ክግበረሉ፡ መስመር ከረንእድርባ ክጽረግ፡ ጥርናፈ ዓድታት ክድፋኣሉ፡ ዕቃበ ኣግራብን እንስሳ ዘገዳም ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝብሉ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ብግዜን ውጽኢትን ዝልካዕ መደባት ንምውጣንን ንምትግባርን፡ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

Categories