ኣብ ንኡስ ዞባ ዓሰብ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ – ብ20 ሚእታዊት ዓብዩ።

ሓላፊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ተስፋምህረት ዓንደብርሃን፡ ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ኣገልግሎታት ቤት-ንባብን ሓበሬታ ቴክኖሎጂን ምውዳዱ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ዝተወሰነ ዓይነት ትምህርቲ ዘሎ ዋሕዲ መማህራን ገዲፍካ፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ እኹል ዓቕሚ መማህራን ከምዘሎ፡ ወለዲ ድማ ኣብ ምክትታልን ምትብባዕን ደቆም ንኡድ ሱታፌ ከምዘለዎም ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ድባርዋን ማይ-ዓይኒን ኣብ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ ኣተኲሩ ብዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ 3264 መሃይምነት ዘየጥፍኡ ዜጋታት ብምርካቦም፡ እቲ መደብ ብዝተወደበ ኣገባብ ክካየድ ምዃኑ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ ሓላፊ መደብ ትምህርቲ ንዓበይቲ፡ መምህር በላይ ኑርሕሴን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ፡ ካብ 6 ክሳብ 14 ዓመት ዝዕድሚኦም 2177 ቈልዑ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብተን ንኡሳን ዞባታት፡ ንጥፈታት መደብ ምጥፋእ መሃይምነት ኣብ ውሑዳት ነቑጣታት ክወሃብ ምጽንሑ ዝሓበሩ ኣመሓደርቲ፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጥሪ ግና – ኣብ ኣስታት 120 ነቑጣታት ክወሃብ ብምዃኑ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ርእሳነመማህራንን ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዮም።

Categories