ኣብ ዞባ ማእከል፡ ተጠቃምነት ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ኣብ ኣብያተትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ – 85 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊ መሰረታዊ ትምህርትን ቅድመ-ትምህርትን መምህር መስፍን ወልደስላሴ እዩ – ሚኒስትሪ ትምህርቲን ዲጂታል ቤት-ንባብ ሮራን ዘበርከትወን 30 ኮምፕዩተራት፡ ንመባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤትትምህርቲ 24 ግንቦት ኣብ ዝተረከባሉ ስነ-ስርዓት ነቲ ሓበሬታ ሂቡ።

እተን ኮምፕዩተራት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንዝጸንሐ ሃጓፋት ክምልኣ ዘለዎ እምነት ብምግላጽ ከኣ፡ ብዘይካ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤትትምህርቲ፡ ካሳብ 200 ሜተር ዝረሓቐ ተገልጋሊ እውን ብመንገዲ ዋይፋይ ተጠቃሚ ክኸውን ከምዝኽእል ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ ወይዘሮ ትብለጽ ተወልደ ድማ፡ ምትእትታው ዲጂታላዊ ቤት-ንባብ ኣብ ምሕያል ብቕዓት ተመሃሮ ብሓፈሻ፡ ኣብ ምክትታል ዕብየት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ ንዝህልዎ ኣበርክቶ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ማሕበረ-ኮማት በብከባቢአን ነዚ ተበግሶ’ዚ ከደንፍዓ ኣዘኻኺራ።

Categories