ማእከላይ ባይቶ ሃማደኤ፡ ብ17ን 18ን ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ተራን ኣበርክቶን ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ንምዕዛዝ ዝሰላሰል መደባት፡ ፖለቲካዊ ተሳትፎአን ኣብ ዘደንፍዑ መዳያት እውን ዘትዩ።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፍው መድረኽ ሰላም፡ ንቕሓትን ኣወዳድባን ምብራኽ መሰረታዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ 2019 ኩሉ-መዳያዊ ኣግእዞ ደቂ-ኣንስትዮ ንቕድሚት ንምስጓም ብዓቢ ኣትኲሮ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጻ።

ደቂ-ኣንስትዮ ብቑጠባ ነብሰን ክኢለን ዝነብራሉ መንገዲ ንምፍጣር፡ ኣተባባዒ ንጥፈታት ይትግበር ከምዘሎ እውን፡ ኣብቲ ሓለፍቲ ጨናፍር ዞባታት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝተሳተፋሉ ገምጋማዊ ኣኼባ ተገሊጹ።

ማእከላይ ባይቶ ሃማደኤ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጉባኤ ማሕበር ከካይድ፡ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ ኣሎ።

Categories