ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሓልሓል፡ ኣስማጥ፡ ሓጋዝ፡ ሃበሮ፡ ዒላ-በርዕድን ገለብን፡ ኣብ መርመራታት ኣዒንትን ኣስናንን ዘተኰረ ወፍሪ ኣካዪዱ።

ኣብ ማእከላይ ደረጃ ልዕሊ 11 ሽሕ ተመሃሮ መርመራታት ዓይኒ ክግበረሎም እንከሎ፡ ናይ ምርኣይ ጸገም ዝጸንሖም 169 ከም እተለለዩ – ካብኣቶም ድማ 39 ብናጻ መነጽር ክወሃቦም እንከሎ፡ 37 ንዝለዓለ ሕክምና ከምእተላእኩ ተፈሊጡ።

መርመራ ስኒ ካብ ዝተገብረሎም ኣስታት 6 ሽሕ ተመሃሮ ከኣ፡ እቶም ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ዝተፈላለየ ጸገማት ከምዝጸንሖምን ዘድሊ ምኽሪ ከምእተዋህቦምን፡ ሓበሬታ’ቲ ጨንፈር ገሊጹ።

እቲ ኣብ 2015 ዝጀመረ መደብ፡ ስሩዕ ዓመታዊ መደብ ኮይኑ ካብ ዝትግበር – ሎሚ ዓመት ራብዓይ ግዜኡ እዩ።

እቲ ጥዕናዊ ዳህሳስ፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት እውን ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣስሎ።

Categories