ኤርትራ፡ ካብ 11 ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ካይሮ – ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ንግዲ ኣፍሪቃ፡ “ዳህሳስ ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረበቶ – ንቱሪዝማዊ ጸጋታትን ፍርያት ትካላትን ዘላሊ ምርኢት፡ ብዙሓት ከምእተዓዘቡዎን ከምዘድነቑዎን ወደብቲ ናይ’ቲ ምርኢት ሓቢሮም።

በጻሕቲ፡ ምስ ስነ-ጥንታዊ ህንጻታት ከተማ ኣስመራን ንጹህ ኣከባቢ ዝውንና ደሴታትን ከምኡ’ውን ምስ ዕንባባታት ባሕሪን ዓሌታት ኣዕዋፍን ክላለዩ እንከለዉ፡ ትካላት – ፒቺኒ፡ ፋብሪካ ዓለባ ዛኤር፡ መገዲ ኣየር ኤርትራ፡ መፍረ መነጸር ውሽጢ ዓይኒ (ለንስ) ፍረድ ሆሎውስ፡ ፋብሪካ እምነበረድን ዓረን እውን ፍርያተን ኣቕሪበን።

ኮሚሽነር ንግድን ኢንዱስትሪን ሕብረት ኣፍሪቃ ዶክተር ኣልበርት ሙቻንጋ፡ ፕረዚደንት ኣፍሪክሲም ባንክ ዶክተር በነዲክት ኦራማህ፡ ዳይረክተር ምሕደራ ተበግሶ ምርኢት ንግዲ ኣፍሪቃ ካናዮ ኣዋኒ፡ ከምኡ’ውን ፍሉጥ ኣይቮርያዊ ተጻዋታይ ክለብ ቸልሲ-ነበር ዲድየር ድሮግባ፡ ካብ’ቶም ንምርኢት ኤርትራ ዝበጽሑን ኣድናቖቶም ዝገለጹን እዮም።

ብሓላፊ ቊጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት ዝተመርሐ ልኡኽ ኤርትራ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ምርኢት ኣብ ዝተኻየደ – ንዕብየት ንግዳውን ወፍራውን ዝምድናታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዓለመ ዋዕላታት ከምእተሳተፈ ይፍለጥ።

ኣብ ከክልተ ዓመት ዝካየድ ምርኢት ንግዲ ኣፍሪቃ፡ ኣብ 2020 ኣብ ከተማ ኪጋሊ – ሩዋንዳ ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ።

Categories