ክልተ ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ፕሮጀክት ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ዓዲ-ሙሳ – ንኡስ ዞባ በሪኽ፡ ብ20 ታሕሳስ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሃብቲ ማይ ኣቶ መብራህቱ ኢያሱ፡ ኣብቲ ስራሕ ንዝተራእየ ናይ ህዝቢ ተሳተፍነት ድሕሪ ምምጓስ፡ ንዝነውሐ ኣገልግሎት፡ ብነበርቲ ግቡእ ክንክን ክግበረሉ ተላብዩ።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል ኢዮብ፡ እቲ ፕሮጀክት ብምውህሃድ ምምሕዳር ዞባ፡ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ነበርቲን ከም እተሰላሰለ ሓቢሩ።

“ማይ ህይወት’ዩ – ስለዝኾነ ግቡእ ኣጠቓቕማን ምሕደራን የድልዮ’’ ዝበለ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፋ ፍስሓጼን፡ እቲ ኣብ ዓወት በጺሑ ዘሎ ፕሮጀክት፡ ውሕሉል ኣጠቓቕማን ምሕደራን ከምዘድልዮ ኣዘኻኺሩ። (ነዚ ዝምልከት ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ገጽ 6 ረአ)

Categories