ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰንዓፈ፡ ሽዕብ፡ ሓጋዝ፡ ፎርቶ-ሳዋን ሰገነይትን፡ ንህዝቢን ተመሃሮን ኣብ ሕግን ምክልኻል ገበንን ዘተኰረ ኣስተምህሮታት ተዋሂቡ።

ኣዘዝቲ መደበራት ፖሊስ ናይተን ንኡሳን ዞባታት፡ ኣብ ዝምድናታት ኮማዊ ፖሊስን ኮማዊ ቤት-ፍርድን፡ ስሉሳዊ ዝምድና ወለዲን ተመሃሮን መማህራንን፡ ገበናትን ሳዕቤናቶምን፡ ምጥሓስ ሕጊ ትራፊክን ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣትን፡ ከምኡ’ውን ክግበር ኣብ ዝግብኦ ጥንቃቐታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ዘይናትካ ዘይምድላይ፡ ካብ ገበን ምርሓቕን ቅኑዕ ስነ-ምግባር ምኽታልን፡ ገለ ካብ ድሙቓት ክብርታት ሕብረተሰብና ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ዕላማ’ቲ ኣስተምህሮ፡ ኣፍልጦ መንእሰያት ኣብ ሕጊ ብምዕባይ ብስነ-ምግባር ዝምርሑ መንእሰያት ንምህናጽ ምዃኑ ገሊጾም።

ተሳተፍቲ፡ ድሕነት ንምውሓስን ንቕሓት ንምብራኽን ብፖሊስ ዝካየድ ዘሎ ኣስተምህሮታት፡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብዮም።

Categories