ትሑት ውጽኢት ዘመዝገባ ኣብያተትምህርቲ ኣቓልቦ ክግበረለን፡ ውጽኢት ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ብደረጃ ዞባ ንምግምጋም – ብ17 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሓጋዝ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋማዊ ኣኼባ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

እተን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥ፡ ገለብን ሓጋዝን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዓይነታዊ ለውጢ ከተኣታትዋ ተሓቲቱ።

ኣብ ጨንፈር ትምህርቲ ዞባ ዓንሰባ፡ ሱፐርቫይዘር ማእከላይ ደረጃ መምህር ሓምድ ዑስማን፡ ኣብ ዓመተ 2017/2018 ኣብ ሃገራዊ መርመራ ሻምናይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ 7079 ተመሃሮ፡ እቶም 45 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፡ እዚ ውጽኢት’ዚ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ 4 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘለዎ – ዝያዳ ክብ ንምባሉ ግዳ ሓያል ወፍሪ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ እቲ ቀንዲ ጸገማት – ትሑት ብቕዓት መማህራን፡ ግቡእ ምክትታል ወለዲ ዘይምህላው፡ ዘይተገዳስነት ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን መሰረት ከይሓዝካ ናብ ማእከላይ ደረጃ ምሕላፍ ከምዘጠቓልል ተነጺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ድኽመታት ብግቡእ ተለልዩ ክፍወስ ኣዘኻኺሩ።

Categories