ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያን ኦስትርያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያ፡ ወከልቲ ኤርትራውያን ማሕበረ-ኮማት፡ ሰብመዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣብ ሽወደን ዝመደበረን ኤምባሲታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን መሓዙት ኤርትራ ወጻእተኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝተሳተፉዎ – ምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገልጸሉ መደብ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ወዲቡ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲነቭያ ኣቶ ዮናስ ማና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለታት ሰላምን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጀማሚሩ ዘሎ ናይ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን መድረኽን፡ ነቲ ብግጭትን ዘይምርግጋእን ክሕመስ ዝጸንሐ ዞባ – ዓቢ ተስፋ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኦስትርያ ብወገኑ፡ ብ16 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ምርኢት ባዛር ቭየና ብምስታፍ፡ ንቱሪዝማዊ ጸጋታት፡ ባህላዊ መግቢን መስተን፡ ከምኡ’ውን ንኣልባሳት ብሄራትና ዘላሊ ትሕዝቶ ኣቕሪቡ።

ነቲ ባዛር፡ ልዕሊ 70 ሃገራት ከም እተሳተፋኦን፡ ኣስታት 20 ሽሕ በጻሕቲ ከም እተዓዘቡዎን ተፈሊጡ።

Categories