ኣብ ዞባ ማእከል፡ ‘ኳንቱም’ ብዝተባህለ ስርዓተ ጂኦግራፍያዊ ሓበሬታ ንሓደ ወርሒ ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝሰልጠኑ 51 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 130 ኣባላት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን፡ ብ17 ታሕሳስ ተመሪቖም።

ዋና ዳይረክተር ናይ’ቲ ክፍሊ ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ እቲ ስልጠና፡ ኣብ ምዕዋት መስርሕ ምዝርጋሕ ሕርሻዊ ስእላዊ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምቁጽጻር ልምዓት ብቚልን ምስሳን ጥሪትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምርግጋጽ ቀረብ ማይን ካልእ ሕርሻዊ መዳያትን ጽፉፍ መጽናዕቲ ንምቕራብ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ ድማ፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርትን ዘቕረብዎ መጽናዕታዊ ጽሑፋትን – ነቲ ኣብ ባይታ ዝስራሓሉ ዘሎ ገዚፍ ሕርሻዊ ስራሓት ዝድርዕ ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣገዳስነቱ ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብዝሓየለን ዝተወሃሃደን መልክዕ ክቕጽሎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ብወገኑ፡ እቲ ስልጠና ንመንእሰያት ዘማእከለ ብምዃኑ፡ ንድንፋዐኡን ቀጻልነቱን ድልውነት ምምሕዳር ዞባ ኣረጋጊጹ።

ሰልጠንቲ፡ ብመሰረት’ቲ ዝቐሰምዎ ስልጠና ዘዳለውዎ፡ ንስርዓተ-ሕርሻዊ ካርታ ብመንጽር ልክዕነቱ፡ ስፍሓቱን ርሕቀቱን ዘንጸባርቕ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቦም።

Categories