ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ሰንዓፈን፡ ንኣገዳስነት ልግሲ ደም ብዝምልከት – ንሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ወከልቲ ህዝቢን መራሕቲ ሃይማኖትን ጐስጓሳት ተኻዪዱ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደም ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ኣብርሃም ዮሃንስ፡ ንጥፈታት ናይ’ተን ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝተመስረታ ማሕበራት ለገስቲ ደም ድሕሪ ምዝርዛር፡ ባህሊ ልግሲ ደም ንምስራጽ – ጌና ሓያል ስራሕ ይጽበየን ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ክኢላ ሕክምና ህጻናት ዶክተር ሳምሶን ኣባይ ብወገኑ፡ ንመዓላ ብዛዕባ ዝልገስ ደምን ሳዕቤናት ባህላዊ ሕክምና ኣብ ህጻናትን ብስእሊ ዝተሰነየ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ እቲ ካብ ወለንታውያን ዝልገስ ደም፡ ብሕዱር ሕማማት ንዝተጠቕዑ ዜጋታት፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ደም ንዝፈሰን ኣዴታት፡ ከምኡ’ውን ሓደጋ ንዘጋጠሞም ወገናት ብናጻ ከምዝወሃብ ኣረዲኡ።

ኣብ እዋን ሕክምናዊ መብጣሕቲን ብሓደጋ ዝተጐድኡ ዜጋታት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ዝተፈላለየ ንጥፈታትን፡ ህላወ ደም ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበረ ዶክተር ሳምሶን፡ ትሕዝቶ ባንክ ደም ንምስሳን፡ ማሕበራት ለገስቲ ደም መሪሕ ተራ ክጻወታ ተላብዩ።

ስንክልናን ሞትን ዘኸትሉ – ከም ምኽላእ ዓንቀር፡ ምኽንሻብ ጓል-ኣንስተይቲ፡ መትኰሳን ማሕጐማን ዝኣመሰሉ ድሑራት ባህላውያን ፍወሳታት፡ ሕብረተሰብ ወጊድ ክብሎም ዶክተር ሳምሶን ኣዘኻኺሩ።

Categories