ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ 19 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብ17 ታሕሳስ ምስ ወራሲ ዓራትን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተራኺቡ፡ ኣብ ገስጋስን ምድንፋዕን ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሰፊሕ ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

 

Categories