ሕብረተ-ሰብ፡ ካብ ድሑራትን ጐዳእትን ባህልታትን እምነታትን ሓራ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕቃብ ክብርታቱ ኣሐይሉ ክሰርሕ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ኮሎኔል ልብሱ ተስፋሚካኤል ኣዘኻኺሩ።

ኮለኔል ልብሱ፡ ብ7 ታሕሳስ ንተማሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዑመር እዛዝ ሓልሓልን ህዝብን፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሓልሓል ኣብ ዝገበሮ ሰሚናር፡ ዘየድልዩ ድሑራት ባህላዊ እምነታት ምኽታል፡ ከም ህዝብን ሃገርን ንቕድሚት ንኸይንስጉም ዝሓላልኹ ብምዃኖም፡ ብትሪ ክንቃለሶም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

“መሰረት ዕብየትን ዓንዲ ቁጠባን ሃገር መንእሰይ ወለዶ እዩ” ዝበለ ኮሎኔል ልብሱ፡ መንእሰያት ኣፍልጦ ብምዕባይ ኣብ ምክልኻል ገበን ተራኦም ክጻወቱን፡ ተጣጢሑሎም ዘሎ ናይ ትምህርቲ ባይታ ተጠቒሞም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሑን ምዒዱ።

ኣብ ፖሊስ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ሜጀር ሃይለ በራኺ ድማ፡ ጸጥታ ከባቢታት ኣብ ምሕላውን ገበን ከይፍጸም ኣብ ምክትታልን ንቕሓት ህዝቢ ወሳኒ ተራ ስለዘለዎ፡ ህዝቢ ምስ ፖሊስ ክተሓባበርን ምክትታሉ ከሐይልን፡ ንዝረኣዩ ገበናትን በደላትን ድማ ዓገብ ክብል ጸዊዑ።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 226 ኮማዊ ፖሊስ ቈይሞም ምህላዎም፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ን216 ጉዳያት ብዕርቂ ክፈትሑ እንከለዉ፡ 11 ጉዳያት ናብ ፖሊስ፡ 12 ጉዳያት ድማ ናብ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ከም ዘምርሑዎም ተሓቢሩ።

Categories