ፈጻሚ ቦርድ ሃገራዊ ማሕበር ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፡ ደረጃ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምዕባልን ምዕሩይ ዕድላት ንምርግጋጽን ዝተሰላሰሉ መደባት ብምግምጋም፡ ናይ መጻኢ መደባት ንምውጣን ዝዕላማኡ – ብ13ን 14ን ታሕሳስ ኣኼባ ኣቃኒዑ።

ካብ ሽድሽቲአን ዞባታት ሃገርናን፡ ካብ ዞባታት ኤውሮጳ፡ ኤመሪካን ስዑድያን ዝመጻ ወከልቲ ኣብ ዝተሳተፍኦ ገምጋም፡ ፕረዚደንት ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ሕቶ ሕብረተሰብን ሃገርን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምዕባለአን ዝዕንቅጹ ተርእዮታት ብምውጋድ ሓፈሻዊ ዕብየተን ንምርግጋጽ፡ ውሁድ ጻዕሪ ናይ ኩለን ኣካላት መንግስቲ ወሳኒ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ኣብ 2018 ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን መዳያት ዝተሰላሰለ ዕማማት – ብመንጽር’ቶም ክውቅዑ ዝነበሮም ሸቶታትን ዘጋጠሙ ብድሆታትን፡ ከምኡ’ውን ንደቂ-ኣንስትዮ ብምሕያል ማሕበራዊ ቦታአን ንምዕዛዝ ዝተኻየዱ መደባት ዝምልከቱ መግለጺታት ቀሪቦም።

ጥዕና ደቂ-ኣንስትዮ ንምውሓስ ዝተኻየዱ መደባት፡ ሃሰይቲ ልምድታትን ዘኸትሉዎ ሳዕቤናትን ብምውጋድ ማሕበራዊ ድሕነት ንምርግጋጽ ዝተሰላሰሉ ዕማማት፡ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምሕያል ዝተኻየደ ጻዕርን ብድሆታቱን፡ ከምኡ’ውን ጽልዋን ኣድማዕነትን ማዕከናት ዜና ኣብ ምምዕባል ንቕሓትን ትግባረ ሸቶታትን. . . ዘተኰሩ ጸብጻባት እውን ቀሪቦምን ዘተ ተኻዪዱሎምን።

ኣባላት ፈጻሚ ቦርድ ሃማደኤ፡ ራእይን ተልእኾን ሃማደኤ – ማዕርነትን ኩሉመዳያዊ ዕብየትን ንምርግጋጽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምሕያል ዓቕሚታት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ምዕባይ ኣፍልጦ ስድራቤታት ከምኡ’ውን ኣብ መሰል ጓል-ኣንስተይትን ሕግን ብዕምቈት ዘትየን።

Categories