ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራን ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ “ኤርትራዊ መጽናዕታት – ፍኖተ መጻኢ” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 20 ክሳብ 22 ሓምለ 2016 ኣብ ኣስመራ ናይ ዝተኻየደ ‘ኣህጉራዊ ዋዕላ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኤርትራ’ ዝሓዙ – ክልተ ዝተደብተሩ ቅጽታት፡ ብ14 ታሕሳስ ተመሪቖም።

ኣብ’ቲ ብሃገራዊ ኮሚሽን ትካላት ላዕለዋይ ትምህርትን ምርምርን ተወዲቡ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሆቴል እምባሶይራ ዝተኻየደን ላዕለዎት ሰብ-መዚ መንግስቲ፡ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዝምልከቶም መሻርኽትን ዝተረኽብሉን ስነስርዓት፡ ኣብ ክልቲኦም ቅጽታት 53 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እቲ ጽሑፋት፡ ንስነ-ቋንቋ፡ ስነጥበብ፡ ታሪኽ፡ ማሕበረ-ባህላዊ ጉዳያት፡ ምዕሩይነት ጾታ፡ ሕጊ፡ ስነ-ፍልጠት ምድሪን ዘሎ ሓደጋታትን፡ ሕርሻ፡ ኣከባቢ፡ ስነ-ኵዕታን ቅርሳዊ ውርሻን፡ ምሕደራ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣገዳስነት ዘለዎም ኣርእስትታት ዝጠርነፈ እዩ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ሃገራዊ ኮሚሽን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ተበጺሑ ዘሎ ገስጋስ፡ ኣብ መጻኢ ንዝካየዱ ዋዕላታት ድርኺት ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፡ ድሮ ኣብ’ቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ዝተመርኰሰ ንካልእ ዋዕላ ምድላዋት ተጀሚሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብቲ ክልተ ቅጽታት ገምጋሙ ዘቕረበ ፕሮፌሰር ሰይፈ በርሀ፡ እቲ እኩብ መጽናዕታዊ ጽሑፋት፡ ውድዓዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ምዝርጋሕ ዘለዎ ተራ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ኣብ ኮለጃት ሃገርና፡ መንግስታውያን ትካላት፡ ብደረጃ ዓለም ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ሰሜን ኣመሪካን ብዝነጥፉ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ምሁራት ዝተዳለወ’ዩ።

Categories