ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ብፍላይ ድማ ካብ 1978 ክሳብ 1988 ኣብ ዝነበራ 10 ናይ ምርብራብ ዓመታት፡ ቅያን መስተንክራዊ ጅግንነትን ዝተፈጸመሎም ታሪኻውያን ድፋዓት ግንባር ናቕፋ፡ ጽገና ተገይሩሎም።

እቲ ንድፋዓት ‘ግሎብ’፡ ታባ ‘ሰላም’ን ከባቢ ፊደል ‘ፐ’ን ዘጠቓልል – ንልዕሊ ክልተ ኪሎ-ሜተር ዝዝርጋሕ ፈሪሱ ዝነበረ ድፋዓት፡ ናይ ትሕቲ ምድሪ መዛግብትን ካናለታትን ናይ ምጽጋን ዕማም፡ ብፋይናንስያዊ ደገፍ ኣባላት ህግደፍ ጨንፈር ዩተቦሪ – ሽወደንን ጉልበታዊ ተሳትፎ ነበርቲ ከተማ ናቕፋን ከም እተሰላሰለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

“ድፋዓትና፡ ነባሪ ሓወልቲ ታሪኽናን መንነትናን’ዩ” ዝበሉ ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ ናቕፋ፡ እቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ዝጀመሩዎ ኣድማዒ ዕዮ ብጽፈት ከምእተዛዘመ ብምሕባር፡ ዕርድታት ገድሊ ኤርትራ ብሓፈሻ ናይ ግንባር ናቕፋ ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ምፍሻል ተኸታታሊ ወራራትን ምዕቃብ ሂወት ተጋዳላይን ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ምዕራፍ ዘለዎም ኣገደስቲ ገድላዊ ቅርሲታት ስለዝኾኑ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገሩ፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብሩ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

ኣባል ቤተ-መዘክር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ኢሳይያስ ተስፋዝጊ፡ እቲ ናይ ምጽጋን ዕማም፡ ሳላ ልዑልን ውፉይን ተሳትፎ ህዝቢን ካልኦት ኣካላትን ኣብ’ቲ

Categories