ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 17 ታሕሳስ ኣብ ኣዳራሽ ቤተመንግስቲ ኣቡዳቢ፡ ምስ ወራስ ዓራትን ምክትል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተራኺቡ፡ ኣብ ገስጋስን ምድንፋዕን ክልተኣዊ ናይ ምትሕግጋዝ ዝምድና፡ ሰፊሕ ዘተ ኣካዪዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድን ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ምዕባለታት ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ተመያዪጦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ – ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኣቡዳቢ ገይሹ።

Categories