ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝጸንሐ ምሕደራ ትካላት ጥዕና ብምምሕያሽን ምእኩል ኣሰራርሓ ብምትእትታውን፡ ኣተኣማማኒ፡ ስሉጥን ዝተማልአን ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ካብ 4 ክሳብ 6 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ንምሕደራ ትካላት ጥዕና ብደረጃ ንኡሳን ዞባታት ዝምልከት ርክብ፡ ካብ ዞባታት ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ዝተዋጽኡ ሕጹያት ተጸዋዕቲ ምሕደራ ትካላት ጥዕና ከምኡ’ውን ምስቲ ዓውዲ ቅርበት ዘለዎም ሰብ ሞያ ጥዕና ተሳቲፎም።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣቶ ብርሃነ ገብረትንሳኤ፡ ንድሕረ-ባይታ ምሕደራ ትካላት ጥዕናን ኣዋጅ ዞባዊ ምምሕዳርን፡ ከምኡ’ውን መምርሒ ምቛም ምሕደራ ትካላት ጥዕና ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ዕላማ’ቲ መደብ፡ ናይ ስራሕ ጸቕጢ ንምቅላልን ሕብረተ-ሰብ ብቐረባ ክረኽቦም ዝግብኦ ሕክምናዊ ኣገልግሎታት ብንጹር ንምልላይን ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሞልቊ፡ ላዕላይጋሽ፡ ተሰነይ፡ ጎልጅን ከርከበትን፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ድማ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዒላበርዕድ፡ ከረን፡ ሓጋዝን ሃበሮን ክትግበር ምዃኑ፡ ውጽኢቱን ተመኲሮኡን ተገምጊሙ ድማ ናብ ዝተረፋ ንኡስ ዞባታት ከም ዝዝርጋሕ ኣረዲኡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ ብወገኑ፡ እቲ ውጥን፡ ምስ ደረጃታትን ቅርጽን ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ዝሳነን ተበጻሕነትን ዕማማትን ትካላት ብንጹር ዘስፈርን ምዃኑ ብምሕባር፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ቅሩብነት ሰብ ሞያ ጥዕና ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ንካልኣይ ገጽ ‘ውጥን ስትራተጂካዊ ምዕባለ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ኣብ ንኡሳን ዞባታት’ ካብ 2017 ክሳብ 2021 ዝምልከት መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዘቕረበ ዳይረክተር ፖሊሲን ውጥንን ዶክተር ተወልደ የውሃንስ ድማ፡ ምስ ምጅማር’ቲ መደብ እናተገምገሙን እናተመሓየሹን ዝትግበሩ መደባት ከምዘለዉ ጠቒሱ፡ ውህደትን ተመላላእነትን ሰብ ሞያ ጥዕናን ምምሕዳራትን ክዓቢ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ’ቲ መደብ ዘለዎም ደገፍ ብምግላጽ፡ ጉዳይ መሳለጥያን ዓቕሚ-ሰብን ብኣጋ ክሕሰበሉ ተላብዮም።

Categories