ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከተማ ተሰነይ ንምስፋሕ ይነጥፍ ከምዘሎ፡ ሓላፊ’ቲ ኮርፖረሽን ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ ወልደገብርኤል ኣብርሃ ሓቢሩ።

ኣብ’ታ ከተማ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምዘሎ፡ ግዳ ሓደ ርብዒ ክፋል ከተማ ጥራይ ክጥቀም ብምጽንሑ – ነዚ ንምስፋሕ እቲ ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዓንድታት ኤለክትሪክ ኣቐዲሙ ብህዝቢ ከምእተተኽለ፡ ሕጂ ድማ ገመድ ኤለክትሪክ ይዝርጋሕ ብምህላዉ – እቲ መደብ ኣብ ሓጺር ግዜ ክዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዞባ ሰላም ኣቶ እዮብ ብርሃነ፡ ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ልዕሊ 600 ዓንድታት ብወፈራ ከምእተተኽለ ብምሕባር፡ ንተሳታፍነት ህዝብን ኣብ’ቲ ስራሕ ዝነጥፉ ዘለዉ ኣባላት ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲን ሞጒሱ።

Categories