ገዲም ተጋዳላይ ተኪኤ ተወልደ፡ ብ8 ታሕሳስ ኣብ መበል 62 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ተኪኤ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱ ተመዲቡ፡ ብጅግንነት ዝተዋግአን ዘዋግአን ሓርበኛ እዩ።

ከቢድ መውጋእቲ ምስ ኣጋጠሞ ድማ፡ ኣብ ክሊኒክ መእለዪ ስንኩላን ስዋኪን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ብኣላይነት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራን ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን፡ ኣብ መዓስከር ስንኩላን ደንደን ክንክን ክግበረሉ ጸኒሑ።

ስዉእ ተጋዳላይ ተኪኤ ተወልደ፡ በዓል ሓዳር እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ሰንበት 9 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ተኪኤ ተወልደ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories