ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራን ሚኒስትሪ ሕርሻ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ንምዕባለ ጽላት ሕርሻ ዝሕግዝ – ናይ ሰለስተ ቅነ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።

እዚ ብቻይናውያን ክኢላታት ኣብ ከተማ ድባርዋ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና፡ ዓይነታት ዘርኢ፡ ባህላዊ ድዂዒ፡ ቴክኖሎጂ ኣዘራርኣን ካልእን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ካብ ሽዱሽተ ዞባታት ሃገርና ዝተዋጽኡ ክኢላታት ሕርሻ ይሳተፍዎ ኣለዉ።

ብ28 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምጅማር ናይ’ቲ ትምህርቲ፡ ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚጋንግ፡ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘቑጸረ ወግዓዊ ዝምድና ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብጽቡቕ ይምዕብል ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እዚ ብዓይነቱ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና፡ ናቱ መርኣያ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ልምዓት ብቚልን ጥረታትን ኤርትራ ኣቶ በረቐ ዑቕባስላሴ፡ ዓቕሚሰብ ብምምዕባል እቶታውነት ክብ ንምባል፡ መንግስቲ ልዑል ቈላሕታ ሂቡ ይሰርሓሉ ከምዘሎ፡ እዚ ስልጠና’ዚ ድማ ናቱ መቐጸልታ ምዃኑ ብምሕባር፡ ሰልጠንቲ ብግቡእ ተኸታቲሎም ብግብሪ ክሰርሑሉን ናብ ካልኦት ከመሓላልፍዎን ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories