ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ደማምን ከባቢኣን – ስዑዲ ዓረብ፡ “እገዳ ብሓያል መኸተ ተሳዒሩ” ብዝብል ቴማ፡ ዓርቢ 7 ታሕሳስ ብውዕዉዕ መንፈስ ተኻዪዱ።

ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ስዑዲያ ወ/ሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ እቲ ፈስቲቫል፡ ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዓኡ ዝሰዓበ ዞባዊ ውህደትን ካልእ ምዕባለታትን ይበዓል ብምህላዉ፡ ፍሉይነትን ድምቀትን ከምዘለዎ ሓቢራ።

ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት፡ ፍረ ናይ 20 ዓመታት ጽንዓትን መስዋእትን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ምዃኑ ዘዘኻኸረት ወ/ሮ ወይኒ፡ “ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋናት ተኣምር ዝሰርሐ ህዝቢ፡ ኣብ’ዚ ርህው መዋእል ብዓጸፋ ስራሕ ሃገራዊ ራኢ ከምዘስምር ዘጠራጥር የለን።” ክትብል ገሊጻ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ደማምን ከባቢኣን ኣቶ ገብረመስቀል ኪዳነ፡ ቀንዲ ምስጢር ዓወታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ስጡም ሓድነቱን ስኒቱን ምዃኑ፡ እዚ ክብርታት’ዚ ብግቡእ ክዂስኰስን ናብ ሓደስቲ ወለዶ ክሰጋገርን ድማ፡ ሓላፍነት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ወናማት ድምጻውያን ብዘቕረብዎ ባህላዊ መደብ ምድማቑ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሮም።

Categories