ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2017 – ኣብ ምግራብ ዝተዓወቱ፡ ኣብ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተራኦም ዝተጻወቱን፡ ኣብ ምትእትታው ሞጐጎ ኣድሓነት ኣበርክቶ ዝገበሩን ኣብነታውያን ሓረስቶት ተተባቢዖም።

እቶም ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ሕርሻን በዓልስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ዝተተባብዑ 15 ኣብነታውያን ሓረስቶት፡ ብ6 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እዮም፡ ዝተፈላለየ ናውቲ ሕርሻ፡ ብሽክለታታትን ካልእ ናውትን ተዋሂቦም።

ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሃይለሚካኤል እዮብ፡ ኣግራብ ብዘይካ’ቲ ንወዲ-ሰብ ዝህቦ ጥቕሚ፡ ባህርያዊ ሚዛን ኣከባቢ ኣብ ምሕላውን ምዕሩይ ክሊማ ኣብ ምፍጣርን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምሕባር፡ ንሽልማት ዝበቕዑ ሓረስቶት፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ምዃኖም ሓቢሩ።

ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣቶ ኣብርሃም ተኽሉ ድማ፡ ንዝበረሰ ኣግራብን ዝባደመ መሬትን ናብ ሓምላይ ንምቕያር ሓያል ጻዕሪ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብነታውያን ሓረስቶትን ኣልማዕትን ምትብባዕን ምሽላምን፡ ነቲ መደብ ናህሪ ወሲኹ ዝያዳ ከምዘዐውቶ ኣገንዚቡ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ማይ ክዖታት ማእከል ዝገበረ ንጥፈታት ዳግመ-ምግራብ ክካይድ ከምዝጸንሐ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ልዕሊ ትሽዓተ ሽሕ ሄክታር ተዛልዩን ተገሪቡን ከምዘሎ፡ ጸብጻባት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን የረድኡ።

Categories