ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብርኣብ፡ ህዝቢ ከተማ ተሰነይ ብልዕሊ 3.7 ሚልዮን ናቕፋ ንተኣለይቲ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ዝሃነጾ ኣባይቲ፡ ብ6 ታሕሳስ መሪቓ።

ሚኒስተር ልኡል ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ስንኩላን ኣብ ዞባታት ምስ ሕብረተ-ሰቦም ሓቢሮም ንኽነብሩ ንዝወጸ መምርሒ፡ ህዝቢ ከተማ ተሰነይ ብቐዳምነት ብዓወት ምትግባሩ፡ ንኤርትራዊ ባህሊ ዝጒልሕ ምዃኑ ሓቢራ።

እቲ ብህዝቢ ዝተሰርሐ 4 ኣባይቲ፡ ነፍሲ-ወከፉ 3 መንበሪ ክፍልታት፡ ሓደ ክፍሊ ንትካል፡ ዓይኒ-ምድሪ፡ ባስካ ማይን ቀጽሪን ዘጠቓልል እዩ።

ብምርጫኦም ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ተጣዪሶም መነባብሮኦም ክመርሑ ንዝወሰኑ 16 ተኣለይቲ ስንኩላን፡ በብከባቢኡ ብህዝቢ ኣባይቲ ይህነጸሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories