ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሎጎ-ዓንሰባን ዓሰብን፡ ንህዝብን ተመሃሮን ኣብ ምክልኻል ገበናትን በደላትን ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ኣብ 10 ምምሕዳራት ከባቢን ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርትን ካብ 5 ክሳብ 29 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ፖሊስን ህዝብን፡ ሓሓሊፍካ ዝረኣዩ ገበናትን በደላትን ንምግታእ፡ ኣብ ሕጊ ዘሎ ንቕሓት ምብራኽ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ መቐርካ ምክትል ተለንተ ሻውሽ ወልደጋብር ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ምክልኻል ገበን ኣብቲ መደበር ኣቶ ዲል ተኽለ ብግደኡ፡ ተርእዮን ዓይነትን ናይ’ቲ ብተደጋጋሚ ዝኽሰት ገበናት ብዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ነበርቲ ብንቕሓት ክምክቱዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ዓሰብ ድማ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሜጀር መልኣከ ገብረማርያም፡ ተመሃሮ ካብን ናብን ትምህርቲን ገዝኦምን ኣብ ዝመላለሱሉ፡ ሕጊ ትራፊክ ከኽብሩ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ንጥፈታት ኮማዊ ፖሊስ ክሕይል፡ ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ንፖሊስ ዝህበሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ናይ ጎደና መብራህቲ ዘይብሉ ቦታታት ክግበረሉ ሓቲቶም።

ተሳተፍቲ፡ ንጥፈታት ኮማዊ ፖሊስ ክሕይል፡ ህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታ ንፖሊስ ዝህበሉ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ናይ ጎደና መብራህቲ ዘይብሉ ቦታታት ክግበረሉ ሓቲቶም።

Categories