ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ኣብ ምልማዕ ጀራዲን ንዝነጥፉ ሓረስቶት፡ ኣብ ምክልኻል ባልዓትን ሕማማትን ኮሚደረ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ።

እቲ ንልዕሊ 6 ኣዋርሕ ብግብሪ ተሰንዩ ዝተዋህበ ትምህርቲ፡ ሓረስቶት ባህሪያትን ኣገባባት ምክልኻልን ባልዓትን ሕማማትን ክፈልጡ ዝሕግዝ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘሸግር ዘሎ ባልዕ ‘ቱታ’ (ኣፕሰሉታ) ዘድሃበ ምንባሩ፡ ነቲ ስልጠና ዝሃበ ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ነበር ገብረሂወት ሓቢሩ።

ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ኣብ መድሃኒት ዘተኰረ ሜላ ዝጥቀሙ፡ ጽሬት ግራቶም ብግቡእ ክሕልዉ፡ ጐድናዊ ጻህያይ ክኣልዩን ምቅያያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩን ከምዘለዎም ዘዘኻኸረ ኣቶ ነበር፡ መድሃኒት ጸረ-ጻህያይን ባልዓትን ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክወስድዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ በረቐ ምስግና፡ ሓረስታይ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ፡ ምስ’ቲ ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ኣፈላልሳ መሰረታዊ ፍልልይ ከምዝጸንሖ ብምምልካት፡ ሰልጠንቲ ቀሲሞምዎ ዘለዉ ኣገባብ ተኸቲሎም ምህርቶም ንምስሳን ክጽዕሩ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ኣቶ እድሪስ ዓሊ ሽከር ብወገኑ፡ ሓረስቶት ንዘሎ ጸጋታት ማይ ብውሕሉል ኣገባብ ተጠቒሞም፡ ብመሰረት ዝቐሰሙዎ ስልጠና ስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ከተኣታትዉ ኣዘኻኺሩ።

Categories