ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል፡ ምስ ሃ.ማ.መ.ተ.ኤን ጨንፈር በዓል-መዚ መጐዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከልን ብምትሕብባር፡ ንመምርሒ ፍቓድ 2ይ ደረጃ ንዝመሃሩ ዘለዉ ኣስታት 400 መንእሰያት፡ ኣብ ድሕነት ትራፊክ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ወዲቡ።

ብ28 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ብርሃነ፡ ኣብ ሃገርና ብሓፈሻ፡ ኣብ ዞባና ከኣ ብፍላይ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ንምክልኻልን ንምግታእን፡ ተራ መንእሰያት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ መካይን ድማ ብፍላይ ክብ ክብል ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

ሌተናል ኮሎኔል ታደሰ ኣብ መግለጺኡ፡ ቀዳምነት ዘይምሃብ፡ ኣልኮላዊ መስተ ሰቲኻ መኪና ምዝዋር፡ መመርሒ ፍቓድ ዘይብልካ ተሽከርካሪት ምምራሕ፡ መኪና እናመራሕካ ሞባይል ምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ካብ ዝተፈቕደ ፍጥነት ንላዕሊ ምንሃር፡ ካብ’ቶም ኣብ ሃገርና ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ጠንቂ ሓደጋታት ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ምቊጽጻር ሓደጋ ትራፊክ ንፖሊስ ጥራይ ዝግደፍ ዘይምዃኑ ብምሕባር፡ መላእ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ከኣ ብፍላይ ሓላፍነት ወሲዶም ክነጥፉሉ ኣዘኻኺሩ። ኣብያተ-ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ኸኣ፡ ኣብ ምዅስኳስ ንቕሓትን ስነ-ምግባርን ሰልጠንቲ ኣተኲረን ክሰርሓ ተላብዩ።

ሓላፊ ጨንፈር በዓል-መዚ መጐዓዝያ ምድሪ ዞባ ማእከል ኣቶ በየነ ተስፋማርያም ብወገኑ፡ እቲ ሰሚናር ኣብ ምብራኽ ኣፍልጦ ናይ’ቶም ተመሃሮ ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዝርከቡ መራሕቲ ተሽከርከርቲ ክወሃብ መደብ ከም ዘሎ ኣብሪሁ።

ካብ 2007 ክሳብ 2017 – ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣስታት 30 ሽሕ ሓደጋታት ተሽከርከርቲ ከጋጥም እንከሎ፡ ልዕሊ 500 ህይወት ከም ዝጠፍአን ልዕሊ 300 ሚሊዮን ናቕፋ ዝግመት ከም ዝዓነወን ጸብጻብ ፖሊስ ትራፊክ ዞባ ማእከል ይሕብር።

Categories