ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሎዛን – ስዊዘርላንድን ቦሎኛ – ኢጣልያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ መደባት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ የውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ንያል ዴንግ ንያል ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድና ዘትዩ።

ሕውነታውን ታሪኻውን ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ዝያዳ ንምምዕባል፡ ክትግበሩ ኣብ ዘለዎም መደባት ኣተኲሮም ከም እተመያየጡ ድማ ተፈሊጡ።

ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ፡ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል፡ ሞሳ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ህያብ ናይ’ቶም ንስለ ናጽነትን ፍትሕን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታትን ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ዝውዕል 6,565 ዶላር ኣበርኪቶም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበራት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ፡ ዛምብያን ዚምባብወን፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተስገዲዱ ዝጸንሐ እገዳ ምልዓሉ – ውጽኢት ጽንዓትን መኸተን ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ብምዃኑ ዮሃናኦም ገሊጾም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ቦሎኛ – ኢጣልያ፡ ብምኽንያት ምልዓል ናይ’ቲ ዘይፍትሓዊ እገዳ ኣብ ዝወደቡዎ ጽምብል፡ መኸተ ልምዓት ንምዕዋት ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

ኮሚተ ምሕጋዝ ጽጉማት ስድራ ስዉኣት ኣብ ሎዛን – ስዊዘርላንድ ብወገኑ፡ ኣብ መዓላ ስድራ ስዉኣት ዝውዕል 10 ሽሕ ዶላር ወፍዩ።

Categories