ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን፡ ‘ሱታፌ ስንኩላን ኣብ ስፖርት ይሓይል’ ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣስመራ ንስንኩላን ብዘሳተፈ ስፖርታዊ ውድድራት ተዘኪራ።

ኣብቲ ብ1 ታሕሳስ ዝተኻየደ ስነስርዓት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመሃሮን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ዝነበረ ሱታፌ ስንኩላን ኣብ ስፖርት ስለዘይተዓቀበ፡ ከም’ቲ ዝድለ ከምዘይማዕበለ ብምጥቃስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ፡ ንመሰልን ተሳትፎን ስንኩላን ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ።

ንቤት-ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ወኪሉ ቃል ዘስመዐ ሓላፊ ማዕከን ህጻናት (ዩኒሴፍ) ዶክተር ፕየረ ንጎም ብወገኑ፡ ምስ ስንክልና ዝነብሩ ዜጋታት ኣብ ስፖርት ክሳተፉን ማዕረ ጥዑያት ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ክዋስኡን ኣገዳስነቱ ንዓኦምን ነቲ ሕብረተሰብን ዓቢ ምዃኑ ብምሕባር፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ስንክልናን ስንኩላንን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተሓባቢሩ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኮሚተ ፓራኦሎምፒክ ኤርትራ ኣቶ ሃይሉ ኣስፍሃ ድማ፡ ስንኩላን ከም ዜጋታት ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ንኽሳተፉ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ንቕሓት ዝተመርኰሰ ምትሕብባር ሕብረተሰብን ኩለን ኣካላት መንግስትን ክዓዝዝ ተላብዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ስንኩላን ዝተሳተፍዎ ስፖርታዊ ውድድራት ተኻዪዶምን ንዕውታት ሽልማት ተዓዲሉን።

ዓመት መጸ 3 ታሕሳስ እትዝከር ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 27፡ ኣብ ሃገርና ድማ ንመበል 23 ግዜኣ’ያ ትዝከር ዘላ።

Categories