ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ነበርቲ ርያድን ከባቢኣን – ስዑዲዓረብ፡ “ዘይፍትሓዊ እገዳ፡ ብመኸተን ጽንዓትን ተሳዒሩ” ብዝብል ቴማ፡ ብ28 ሕዳር፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ ብፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ርያድ ወይዘሮ ወይኒ ገረዝግሄር፡ ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኮሎኔል መልኣከ ተኽለማርያምን ካልኦትን ተሰንዩ፡ ብተመሃሮ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ኤርትራ ኣብ ርያድን መንእሰያት ህግደፍን፡ ከምኡ’ውን ብኣባላት ሃማደኤ ዝተዳለወ ስእላዊ ምርኢት፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን ባህላዊ ኢደ ስራሓትን ተዓዚቡ።

ወይዘሮ ወይኒ ገረዝጊሄር፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ድሕሪ ምጉንጻፉ እውን፡ ልኡላውነቱ ንምዕቃብ ከቢድ ቃልሲ ከምዘካየደን ረዚን ዋጋ ከምዝኸፈለን ጠቒሳ፡ ነዚ ፈተነ’ዚ ብዓወት ዝሰገረ ህዝቢ፡ ቊጠባዊ ብልጽግና ንምርግጋጽ ዝእግሞ ከምዘየለ ገሊጻ።

ፈስቲቫል፡ ሃገራዊ መንነት ኣብ ምዅስኳስን ሕብረተ-ሰባዊ ክብርታት ኣብ ምዕቃብን ምስግጋርን ኣገዳሲ መድረኽ ምዃኑ ብምጥቃስ ከኣ፡ ኣብ ምዕዋቱ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመስጊና።

ሓላፊ ማሕበረ-ኮም ኣቶ ዓብደራሕማን ኢማም ብወገኑ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል ኣብ ኣፈፌት መዋእል ሰላምን ምልዓል ዘይፍትሓዊ እገዳን ይካየድ ብምህላው፡ ፍሉይ ትርጒምን መቐረትን ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ ፈስቲቫል፡ ክሳብ ሎሚ 30 ሕዳር ክቕጽል እዩ።

Categories