በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ልዕሊ 100 ክኢላታት ልምዓትን ቊጽጽርን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ዝተሳተፍዎ – ካብ 19 ክሳብ 24 ሕዳር ዑደት ወዲቡ።

እቲ ዕላማ፡ ኣብ በበይኑ ከባቢታት ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ምቊጽጻርን ልምዓትን ሃብቲ ገረብን እንሳሳ ዘገዳምን ንምዕዛብ፡ ሓድሕዳዊ ተመኵሮ ንምልውዋጥ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣባላት ናይ ስራሕ ስጥመት ንምሕያል ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ በዓልስልጣን ሓላፊ ጨንፈር ዕቃበን ልምዓትን ኣግራብ ኣቶ ሙሴ ሮቤል ንኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ክኢላታት፡ ብዘይካ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ’ተን ካልኦት ሓሙሽተ ዞባታት ኣብ ዝርከብ ሕዛእትታት፡ መደበራት ፈልሲ፡ ናይ ምግራብ ቦታታት፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናይ እምነት ቦታታት፡ ዓበይቲ ዲጋታትን ካልእ ልምዓታዊ ቦታታትን ብምብጻሕ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከባቢ ዘሎ ፍሉይ ተመኵሮ ብቐረባ ክዕዘቡ ከምዝኸኣሉ ተፈሊጡ።

ሓላፊ በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ንውልቃዊ ረብሓኦም ብምቕዳም ኣብ ልዕሊ ኣግራብን እንስሳታት ዘገዳምን ዕንወት ዘውሩዱ ዘለዉ ውልቀ-ሰባት ካብ ተግባራቶም ክቚጠቡ ብምሕታት፡ ህዝቢ’ውን ነቲ ኣሉታዊ ተርእዮ ንምግታእ ምትሕብባሩ ከዕዝዝ ተማሕጺኑ።

Categories