ገዲም ተጋዳላይ ኣስመላሽ እምባፍራሽ፡ ብሕማም ትማሊ 28 ሕዳር ኣብ መበል 73 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ኣስመላሽ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ጨንፈር ኣካለ ስንኩላን፡ ኮሚሽን ስንቂን ማእከላይ ባህሊን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒን ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራን ተመዲቡ፡ ብዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነት፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ኣስመላሽ እምባፍራሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 28 ሕዳር ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ኣስመላሽ እምባፍራሽ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories