ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻዊ ልምዓት ተሰነይ-ዓሊግድር፡ ኣብ ኣስታት 100 ሄክታር ብመስኖን ክራማትን ዘልምዑ ዘለዉ 80 ኣባላት ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ዘራእቶም ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ገሊጾም።

ሓላፊ’ቲ ማሕበር ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ ኣቶ መሓመድኖር ዓሊ፡ እቲ ማሕረስ ንነዊሕ ዓመታት ዛሕቲሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2012 ማሕበርን ኣባላቱን ብዘበገስዎ ንጥፈታት፡ ሓረስቶት ዳግም ተጠርኒፎም ደሓን እቶት ክረኽቡ ምጽንሖም፡ ሎሚ ዓመት’ውን ጽቡቕ እቶት ክሓፍሱ ትጽቢት ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ማሕበር፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ብምውህሃድ፡ ደረጃ መነባብሮ ስንኩላን ንምምሕያሽ፡ ብሕርሻ፡ ጥሪትን ንግድን ዝጣየሱሉን ህይወቶም ዝመርሑሉን መደባት ከተግብር ምጽንሑ ዝሓበረ ኣቶ መሓመድኖር፡ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝርከቡ ስንኩላን፡ ብዝግበረሎም ዘሎ ደገፍ ርጉእ መነባብሮ ክመርሑ ምብቅዖም ገሊጹ።

እቶም ሓረስቶት፡ ኣብ ማሕበር ብምጥርናፎም ኣብ ሕርሻ ክነጥፉን ውሑስ እትዋት ክህልዎምን ዕድል ከም ዝፈጠረሎም ብምሕባር፡ ንዝበለጸ ምህርቲ፡ ደገፍ ትራክተራት ክግበረሎም ኣዘኻኺሮም።

ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ ንኡስ ዞባ ተሰነይ፡ 1200 ኣባላት ኣለዉዎ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ – ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ፡ መነባብሮ ኣባላቱ ንምምሕያሽ ጻዕርታቱ ከምዘሐይል፡ ኩነታት ኣባላትን ዝተሰላሰለ ንጥፈታትን ንምግምጋም ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ሓቢሩ።

Categories