ጽርግያ ነፋሲት-ደቀምሓረ፡ ብማሽነሪታት ዝተሰነየ መሰረታዊ ጽገና ይግበረሉ ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እዚ ብኩባንያ ሓፈሻዊ ህንጸትን ልምዓትን ቀይሕ ባሕሪ ዝሰላሰል ዘሎ ዕማም፡ ምስፋሕን ምዕራይን መስመር፡ ምስራሕ ሓደስቲን ምጽራግ ብድበት መሊኡ ዝጸንሐን ቢንቶታት ከምዘጠቓልል ተፈሊጡ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ዝሳተፉ ዘለዉ ነበርቲ ለዓይተንን ማይ-ሓባርን – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ኣገዳስነት ናይቲ መስመር ኣብ ማሕበረ-ቊጠባዊ ህይወቶም ብምጥቃስ፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝዛዘም ተሳትፎኦም ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጾም።

ነበርቲ ለዓይተን 20 ኣጣል፡ ነበርቲ ነፋሲት 10 ኣጣል፡ ነበርቲ ማይሓባር 2 ከብትን 2 ኣጣልን፡ ኣመሓዳሪ ቤተክርስትያን ኣቡነ ፊሊጶስ ኣባ ኣፈወርቂ 3 ጣዕዋ – ነቶም ኣብቲ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ዜጋታት ከምዘበርከቱ፡ ወኪል ኤሪና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

Categories