ኣቦ-መንበር ሃማመተኤ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመዲን፡ ንመድረኻዊ ሓላፍነት መንእሰያት ዘብርህ ሰሚናር፡ ብ26 ሕዳር ኣብ ባረንቱ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ዝሃቦ ሰሚናር፡ ኣቶ ሳልሕ፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ዓወታት፡ ፍረ ልዑልን ውሕሉልን ጻዕሪን ተወፋይነትን ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ምዃኑ ብምሕባር፡ መንእሰያት ድሉውነቶም ንዝቕጽል ናይ ልምዓትን ህንጸት ሃገርን መድረኽ ከረጋግጹ ኣዘኻኺሩ።

ብቑዕን ውፉይን ዜጋ ምፍራይ መሰረታዊ ስለዝኾነ፡ ቀንዲ ኣተኵሮ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ንህንጸት መንእሰያት ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ በብከባቢኡ ዝርከቡ መንእሰያት፡ ኣብ መሰረታውያን መትከላትን ክብርታትን ሕብረተሰብና ተመርኲሶም ውዳበታቶም ከደልድሉ ጸዊዑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ’ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ፡ መንእሰያት – መደባት ልምዓት ብምዕዋት ብሩህ መጻኢኦም ንምውሓስ ብዝሓየለ ውዳበ ክነጥፉ ከምዝግባእ፡ ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ርክብ ተገሊጹ።

ኣብ ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሓላፊ ፖለቲካዊ ውዳበ ኣቶ ማሪቆስ ግርማጼን፡ ምስ ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ናይ ተጻብኦ ዓመታት ዝተዀልፈ መደባት ህንጸት ሃገር ንምብርባርን ንምድንፋዕን፡ ውፉይ ጻዕሪ መንእሰያት ዝሓትት መዋእል ተኣትዩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

“ኣብ ኣካዳሚያውን ሞያውን ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ምህናጽ ብቑዕ መንእሰይ እዩ” ዝበለ ኣቶ ማሪቆስ፡ መንእሰያት ነዚ ብግቡእ ተገንዚቦም ኣበርቲዖም ክጽዕሩ ኣተሓሳሲቡ።

Categories