ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይብሪጣንያ፡ ብ24 ሕዳር ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርን ምዕባለታት ስምምዓት ሰላምን ምሕዝነትን ዞባናን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መድረኻዊ ሓላፍነት ዜጋታት ዘትዮም።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ዓባይብሪጣንያን ሰሜን-ኣየርላንድን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ህዝቢ ኤርትራ – ፈለማ ኣንጻር መግዛእቲን ዘራያቱን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ልኡላውነቱ ንምኽባርን ተጻብኦታትን እገዳታትን ንምምካትን ተቓሊሱ ዝተዓወተ፡ ሳላ’ቲ ዘይንቕነቕ ጽንዓቱን ሓያል ሓድነቱን ምዃኑ ኣብሪሁ።

“ተኣትዩ ዘሎ መዋእል፡ ሞሳ ጽንዓትን ኩሉ-መዳያዊ መስዋእትን’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ፡ ብሰንኪ ወራራትን ተጻብኦታትን ተዀሊፉ ዝጸንሐ መደባት ልምዓት ምብርባርን፡ ብዝሓየለ ንቕድሚት ምድፋእን ዝጽበየና ዘሎ ዕማም፡ ገዚፍ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እቲ ተኣምር ዝሰርሐ – ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዝተዀልዐ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ መድረኽ’ዚ እውን እቲ ቀንዲ ዕጥቂ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ሰሚናር፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ሸማግለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ማሕሙድ፡ ንኩሎም ማሕበረ ኮማትን ውዳበታትን፡ ብሪጣንያዊ ኣምባሳደር ፒተር ፎርድ ድማ ንፈተውትን ደገፍትን ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታት ብምውካል፡ ናይ ዮሃና ቃላት ኣስሚዖም።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ሎሚ’ውን ከም ወትሩ ሃገር ንምህናጽ ኣብ ዝካየድ ወፍሪታት ኣበርክቶኦም ንምዕዛዝ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኩሉ ጻውዒት ሃገር ኣበርክቶ ንዝገብሩ ውዳበታትን ማሕበራውያን ሓይልታትን፡ ናይ ‘መኸተ ንልምዓትን ሰላምን’ ወረቐት ምስክር ዓዲሉ።

Categories