ኣብ ኣፍዓበት፡ ኣብ ኣገዳስነት ንቕሓትን ውዳበን መንእሰያትን ተራኦም ኣብ መደባት ልምዓትን ዝዘተየ ርክብ ተኻዪዱ።

ጸሓፊ ህግደፍ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን ምስ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ንቑሕ ውዳበ – ንውሑድ ዘብዝሕ፡ ንድኹም ድማ ዘሐይል ምዃኑ ብምጥቃስ፡ መሰረት ናይ ኣድማዒ ዕማም ምዃኑን ልዑል ቈላሓታ ተዋሂቡ ይስራሓሉ ከምዘሎን ሓቢሩ።

“ንመንእሰያት ምንቃሕን ምውዳብን፡ ንሃማመተኤ ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን” ዝበለ ኣቶ ሃይለ፡ ኩለን መንእሰያት ሰራሕተኛታት ዘለዉወን ትካላት ብዕቱብ ክሰርሓሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣቶ ኣሕመድ መሓመድኖር ረጀብ ብወገኑ፡ መንእሰያት፡ ማእገር ሃገር ስለዝኾኑ፡ ክነቕሑ፡ ክውደቡን ብቑዕ ፍልጠት ክዓጥቁን ከምዘድሊ ጠቒሱ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብር ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories