ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ኣብ ስርዓተ-ፍትሒን ንጥፈታት ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲን ዘተኮረ – ብ23 ሕዳር ኣብ ከተማ ባረንቱ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፡ ብወከልቲ ህዝቢ ዝካየድ ስሉጥ ኣገልግሎት ፍትሒ ንምርግጋጽ ተባሂለን ዝተመስረታ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ማሕበራዊ ክብርታት ሕብረተሰብ ብዝዕቅብ ኣገባብ ዓቕመን ዘፍቅዶ ስርሓት ከሰላስላ ምጽንሐን ብምሕባር፡ ንጥፈታተን በብግዜኡ እናተገምገመ ዕማማተን ንምምሕያሽ ጻዕሪታት ይቕጽል ከምዘሎ ኣረዲኣ።

ኩሉ’ቲ ዝካየድ ጻዕርታት፡ ንመሰረታውያን መትከላት ፍትሒ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ኣብ ክብርታትን ልምድታትን ሕብረተሰብ ምርኲስ ብምግባር ብህዝቢ ናይ ዝተመርጹ ደያኑ ሞያዊ ብቕዓት ንምሕያል፡ ተታሒዙ ብዛዕባ ዘሎ መደባት ዘርዚራ።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕብረተሰብና ዘይነበሩ ኣሉታውያን ተርእዮታት ክቀላቐሉ ብምጅማሮም፡ ሽምግልና ድማ መኣዝኑ ስሒቱ ጉዳያት ከም ዝተሓላለኹ ይገብር ስለዘሎ፡ ነቲ መለለዪ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾነ ሽምግልናዊ ኣፈታትሓ ጉዳያት፡ ኣካል ስርዓተ-ፍትሒ ንምግባሩን ዝጸንሑ ድኻማት ንምፍዋስን፡ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ እውን ሓቢራ።

ተሳተፍቲ፡ ሞያዊ ዓቕሚ ደያኑ ንምብራኽ ቀጻሊ ስልጠናታት ክውደብ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫታት ደያኑን ናይ ዕርቂ ሽማግለታትን ዘገልግል ንጹር መምዘኒታት ክዳሎ፡ ደረት ስልጣን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ክንጸርን ክመሓየሽን ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

Categories