ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኩሉ-መዳያዊ ንቕሓት ደቂ-ኣንስትዮ ንምብራኽ ብዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፡ ጭቡጥ ለውጥታት ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ሃማደኤ ናይ’ቲ ዞባ ካብ 17 ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ኣብ ዘካየዶ ገምጋማዊ ርክብ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ ምሕያል ንጥፈታት ውዳበ፡ ምውጋድ ድሑር ልምድታት፡ ኣካዳምያዊ ዓቕሚ ደቂኣንስትዮ ኣብ ምዕባይ ክትግበሩ ኣብ ዘለዎም መደባት ድሕሪ ምዝታይ፡ ንመጻኢ ብዝያዳ ናህሪ ከስርሕ ዝኽእል እማመ ተነዲፉ።

ሓላፊት ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣገልግሎት ናይቲ ጨንፈር ወይዘሮ ሰናይት መሓሪ፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ዝመጽእ ዘሎ እወታዊ ለውጥታት ውጽኢት ንቕሓት ምዃኑ ጠቒሳ፡ ኣብ ደቂኣንስትዮ ዝግበር ወፍሪ ዝያዳ ክሕይል ኣዘኻኺራ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ካብ መላእ ዞባ ዓንሰባ ንዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብ19 ሕዳር ንምሕደራ ፋይናንስ ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

Categories