ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ ኣ’ሸሪፍ፡ ትማሊ 20 ሕዳር 2018 ብኣቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ብህጅሪያ ድማ 12 ረቡዕ ኣልኣወል 1440፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል መዓርግ ተኸቢሩ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ጃምዕ ኣልኹላፋእ ኣልራሽዲን ኣብ ዝተኻየደ፡ ሚኒስተራት ዝርከቡዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን መራሕቲ ሃይማኖት ክርስትናን ምእመናን ምስልምናን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ኣከባብራ፡ ኣቦ-መንበር ጉባኤ እስላም ኣውቃፍ ከተማ ኣስመራ ኣቶ መሓመድስዒድ በሽር፡ ንታሪኻዊ ኣገዳስነት ናይ’ቲ በዓል ድሕሪ ምብራህ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ መውሊድ፡ ኣብ ኣፈፌት ሓድሽ መዋእል ይኽበር ምህላዉ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊጾም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሙፍቲ ኤርትራ ሼኽ ሳልም ኢብራሂም ኣልሙኽታር ብወገኖም፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዒድ መውሊድ ኣ’ነቢ፡ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ታሪኻዊ ስምምዓት ሰላም፡ ዕርቂን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍርራማ፡ ከምኡ’ውን ንልዕሊ 9 ዓመታት ብዓሎቕ ኣብ ልዕሊኣ ዝጸንዐ ዘይፍትሓዊ እገዳ ድሕሪ ምልዓሉን በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ከምዘይትስበር ዝተመስከረሉን እዋን ይስዕብ ብምህላዉ፡ ንሓጐስ ህዝብና ዝምልእ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ንዘርኣይዎ ጽንዓትን ሓያል ናይ መኸተ መንፈስን መጒሶም።

እቲ ስነ-ስርዓት፡ ብመንፈሳዊ መዛሙርን ግጥምታትን ደሚቑ ነይሩ።

Categories