ኣቐዲማ ብ8 ታሕሳስ ትዝከር ዝነበረት፡ ካብ ሎሚ ዓመት ድማ ብ20 ሕዳር ክትዝከር ዝተወሰነ ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ፡ “ንዘላቒ ምዕባለ ቈልዑ፡ መብጸዓና ነሐድስ” ብዝብል ቴማ፡ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ኮማዊ ማእከል ደብዓት፡ ብድምቀት ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን፡ ወኪል ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽን ተመሃሮን ተረኺቦም ነይሮም።

ኣብ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ምሕረትኣብ ፍስሃየ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እዛ ዕለት፡ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ኣተኣላልያን ኣተዓባብያን ቈልዑን ህጻናትን ንዘለዎ ሃብታም ባህሊ ክዕቅብን ከውርስን፡ ወለድን መምህራንን ድማ ንዕብየት ቈልዑ ብውህደት ክነጥፉ እተዘኻኽርን ሓላፍነት እተሰክምን ምዃና ገሊጹ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ብቐዳምነት ካብ ዝኸተመሎም ኣህጉራዊ ውዕላት፡ ኣህጉራዊ ውዕል መሰላት ቈልዑ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ምሕረትኣብ፡ በዚ መሰረት፡ ህጻናትን ቈልዑን ኤርትራ ኩሉ መሰላቶም ተሓልዩ፡ ድሕነቶም ዝረጋገጸሉ ባይታ ንምጥጣሕ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ምጽንሑን ምህላዉን ኣብሪሁ።

ወኪል ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኤርትራ ዶክተር ፕየር ንጎም ብግደኡ፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ መሰላት ህጻናት ክብ ንምባል ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ባይታ’ውን ዝምስገን ውጽኢት ምምዝጋቡ ካብቲ ዘዕግቦ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጥዕና ህጻናትን ቈልዑን ንምውሓስ ዝካየድ መደባት ክታበት፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝተርፍ ቈልዓ ንኸይህሉ ዝግበር ጻዕሪ፡ ስንክልና ንዘለዎም ቈልዑ ዝግበር ዓይነታውን ገንዘባውን ደገፍ፡ ከምኡ’ውን ኣንጻር ሃሰይቲ ልምድታትን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ዝካየድ ጐስጓሳትን ዝሰላሰል መደባትን፡ ካብቲ ብኣድናቖት ዝጥምቶ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ ብተመሃሮ ቈልዑ ዝተዳለወ፡ መዛሙር፡ ድራማ፡ ደርፍታትን ግጥምታትን ዘጠቓልል መሰናድኦታት ቀሪቡ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ፡ ሎሚ ዓመት – ብደረጃ ሃገር ንመበል 27፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ንመበል 60 ግዜኣ’ያ ተዘኪራ።

Categories