ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ሓረስቶት ብዘሎ ህጡር ክራማት ባሕሪ ተተባቢዖም ርቡሕ ምህርቲ ንኽሓፍሱ፡ ተራ ክኢላታት ሕርሻን ኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባታትን ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ብክኢላታት ሕርሻ ተሰንዩ – ብ16 ሕዳር ኩነታት ኣእካል ንኡስ ዞባታት ጊንዳዕን ሽዕብን ንምዕዛብ ዑደት ዘካየደ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ፡ ናይ ሎም-ዘበን ህጡር ክራማት – ጻዕሪን ምክትታልን ሓረስቶት ከምኡ’ውን ደገፍ ሞያውያን ምስ ዝድመሮ፡ ኣብ ደረጃ ምሽዋት በጺሑ ዘሎ ዘራእቲ ጽቡቕ እቶት ክሕፈሶ ከምዝከኣል ኣገንዚቡ።

ሓደጋ ሳጋሚ ባርኖስ ንምውጋድ፡ ሓረስቶትን ኣመሓደርትን ብውህደት ክሰርሑ ብምዝኽኻር ድማ፡ ሓረስቶት ብፍላይ ካብ ግራውቶም ከይተፈልዩ ክከታተሉ፡ ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ድማ ምስ ክኢላታት ተወሃሂዶም ምሕዮም ከቃጽሉ ኣተሓሳሲቡ።

ሎሚ ዓመት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዘሎ ህጡር ክራማት፡ ኣብ ንኡስ ዞባታት ጊንዳዕ፡ ሽዕብ፡ ኣፍዓበት፡ ቅሮራ፡ ፎሮን ገልዓሎን፡ ብወሓይዝ ዝሰተየ 18,500 ሄክታር፡ ብዝናብ ዝሰተየ ድማ 9,400 ሄክታር ተሓሪሱ ከምዘሎ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የነጽር።

Categories