ሚኒስትሪ ፍትሒ፡ ትካላዊ መሳርዑ ኣብ ምትዕርራይን ምሕያልን ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ፎውዝያ ሃሽም ምስ ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስትን ምምሕዳራትን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ብ13 ሕዳር ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ትካላት ኮማዊ ኣብያተፍርዲ መድረኽ ዝጠልቦ ብቕዓትን ኣቃውማን ክህልወን እዋናዊ ዕዮ ናይቲ ሚኒስትሪ ኮይኑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ መንጎ ትካላት ፍትሒ – ቅርጡው ናይ ስራሕ ዝምድናታትን ስሉጥ ስርዓተ-ሓበሬታን ንኽህሉ ብዝለዓለ ይነጥፍ ከምዘሎን ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ምህላዉን ኣረዲኣ።

ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ሕጊ ንምዕባይ እውን ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ካልእ ኣገባባትን ኣስተምህሮታትን ሰሚናራትን ክወሃብ ምጽንሑ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ፎውዝያ፡ ብመሰረት ኣዋጅ ቊጽሪ 167/2012 ኣብ ክሊ ስልጣን ኣብያተ-ፍርዲ ምትዕርራይ ተገይሩ ከምዘሎ ገሊጻ። በዚ መሰረት – ክርክር ኣብ ሓዳር፡ ምርግጋጽ ውርሲ፡ ጉዳይ ኣካራይን ተኻራይን ከምኡ’ውን ቀለልቲ ገበናት ኣብ ክሊ ስልጣን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ኮይኖም ከምዘለዉ ሓቢራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋዴር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ – ህዝቢ ጉዳያቱ ብቐረባ ንኽፈትሕ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብራ ምጽንሐን ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ብቕንዕና ዘገልግልዎ ኣለልዩ ክመርጽ፡ ከምኡ’ውን ንዘመናት ዘነባበረና ሃብታም ባህልን ስነ-ምግባርን ክዕቅብን ንደቁ ከውርስን ኣተሓሳሲቡ።

Categories