ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ – 14 ሕዳር፡ “ስድራ-ቤትን ሕማም ሽኮርያን’’ ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ተዘኪራ።

ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ማሕበር ሽኮርያ ዶክተር ጎይትኦም መብራህቱ፡ ሕማም ሽኮርያ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ብድሆታት ጥዕና ዓለም ናይ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኮይኑ ምህላዉ፡ ዘድሊ ስጒምቲ እንተደኣ ዘይተወሲዱ ከኣ፡ እቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብደረጃ ዓለም 382 ሚልዮን ዘሎ ቊጽሪ ሕሙማት፡ ኣብ 2035 ናብ 582 ሚልዮን ክብ ክብል ከምዝኽእል፡ መጽናዕትታት ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ኣብ ሃገርና እውን ቊጽሪ ሕሙማት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበረ ዶክተር ጎይቶኦም፡ ንሕሙማት ሽኮርያ ናጻ ኣገልግሎትን መድሃኒትን ከምዝወሃብ፡ በዚ ድማ ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃ ብኣብነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ከምዝኾነት ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ ባህርያት ሕማም ሽኮርያ፡ ክውሰዱ ዝግብኦም መድሃኒታት፡ ክዝውተሩ ዘለዎም ዓይነታት መግቢን ስፖርትን፡ ንክትትል ሕክምናን ካልእን ዘጠቓለለ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ሽኮርያ፡ ብደረጃ ዓለም ንመበል 28 ግዜ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ንመበል 18 ግዜኣ ተዘኪራ።

Categories