ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ትማሊ 17 ሕዳር፡ ካብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ዝተላእከ መልእኽቲ ተቐቢሉ።

ነቲ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘብጽሐ፡ ብዋና ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኬንያ’ዩ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኣብ መልእኽቱ፡ “መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎ ሃገራቶም ሰላም ንምስፋንን ዞባዊ ምትሕብባር ንምድንፋዕን ብዝወሰድዎ ተባዕ ስጒምቲ፡ ንክልተኦም መራሕትን ንህዝብታቶምን – ዮሃና።” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኬንያ ዑደት ከካይድ ዕድመ ኣቕሪቡ።

Categories