ኤርትራ፡ ብምውህሃድ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (CAC) ን ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን፡ ካብ 21 ክሳብ 25 ሕዳር ዝካየድ ‘ዋንጫ ቅድድም ብሽግለታ ኣፍሪቃ’ ከምእተአንግድ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ዘመደ ትማሊ 13 ሕዳር ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት እትጥቀስ ሃገር ብምዃና፡ ነዚ ብደረጃ ኣፍሪቃ ፈላሚ ዝኾነ ውድድር ከተአንግድ እቲ ዕድል ከምእተዋህባ፡ ብብቕዓት ንምእንጋዱ ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ድማ ከም እተጻፈፈ ገሊጹ።

“ቀንዲ ወዳቢን ዋናን ናይ’ዚ ውድድር፡ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ’ኳ እንተኾነ፡ መዋሊቱ ግና ኤርትራ እያ” ዝበለ ኣምበሳደር ዘመደ፡ ኩለን ፈደረሽናት ቅድድም ብሽክለታ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ በቲ ማሕበር ዕድመ ከምእተላእከለን፡ ድሮ ድማ ብርክት ዝበላ ጋንታታት እወታዊ ምላሽ ሂበን ምህላወን ኣረዲኡ።

ኤርትራ፡ ኩሉ’ቲ ንውድድር ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ ብዝግባእ ኣማሊኣ ከምዘላ፡ ነቲ ምድላዋት ክግምግም ዝመጸ በዓልመዚ ኮንፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ እውን፡ ብምድላዋት ኤርትራ ዕግበቱ ከምዝገለጸ፡ ኣምበሳደር ዘመደ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ነዚ ኣብ ጐደናታት ከተማ ኣስመራ ዝካየድ ውድድር፡ ኩሉ ዜጋ ብሓፈሻ፡ ኣፍቃሪ ስፖርት ድማ ብፍላይ ንምድማቑ ክሰርሕ ከኣ ተላብዩ።

እዚ ብደረጃ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ዓለም (ዩ.ሲ.ኣይ) ተፈላጥነት ዘለዎ፡ ሓድሽ ናይ ውድድር መድረኽ፡ ብኽልቲኡ ጾታ ናይ ግዜን ናይ ጽርግያን ውድድራት፡ ከምኡ’ውን ንፈለማ እዋን ዝካየድ ሓጺር ናይ ጽርግያ ውድድር (ክራይተርዩም) ከጠቓልል እዩ።

ብመሰረት ካብ ‘ዩ.ሲ.ኣይ’ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒባ ካልኣይቲ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ መበል 30 ተርታ ተሰሪዓ ትርከብ።

Categories