ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ወርሓት ታሕሳስ 2009ን 2011ን ብዓሎቝ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ ዘይፍትሓዊ ብይናት እገዳ ክለዓል፡ ትማሊ 14 ሕዳር ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።

እቲ ተላዒሉ ዘሎ ውሳነታት እገዳ፡ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ቊጽሪ 1907፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2011 ዝሓለፈ ቊጽሪ 2023 ኮይኑ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ንቚጠባ ኤርትራ ንምድኻም ዝሃቀኑ ውሳነታት ዘጠቓለለ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ስለ’ቲ ኣብ ዓወት ዘብጸሖ ሓያል ናይ መኸተ ያታኡን ዓቕሉን – “ዮሃና” እናበለ፡ እቲ እገዳ ንኽለዓል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣዕሩኽ ኤርትራ ምስጋና ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ’ዚ ምልዓል እገዳ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ታሕቲ ረአ።

Categories