ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብዝተፈላለየ ሞያታት ከሰልጥኖም ዝጸንሐ 19 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 80 ኣባላቱ፡ ብ10 ሕዳር ኣብ ኣስመራ ኣመሪቑ።

እቲ – ምድላው ካርታን ምእካብ ሓበሬታን፡ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ሕርሻዊ ምህንድስና፡ ሓፈሻዊ ሌላን መባእታዊ ጽገናን ኮምፕዩተር. . . ዘጠቓለለ ስልጠና፡ ካብ 10 መዓልቲ ክሳብ ሓደ ወርሒ ዝቐጸለ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ጨንፈር ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ፡ ኣቶ ኣስመሮም ግርማይ፡ እቲ ስልጠና ኣካል ናይ’ቲ ዓቕሚ ኣባላት ንምብራኽ ዝካየድ ጻዕሪ ምዃኑን፡ ኣብ ስርሖም ክሕግዞም እምነት ከምዘሎን ገሊጹ።

ወኪል ተመረቕቲ፡ እቲ ትምህርቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምንባሩ ብምርግጋጽ፡ ከም’ዚ ዓይነት ስልጠና በብግዜኡን በብደረጃኡን ክውደብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ሚኒስተር ሕርሻ ኣቶ ኣረፋይነ በርሀ፡ ብስልጠና ዝተረኽበ ሞያ – ኣብ ስራሕ ክትግበር ምስ ዝከኣል፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ከም ዝዓዝዝ ብምዝኽኻር፡ ትምህርቲ ሓደ እዋን ምስ ቀሰምካዮ ወዲአ ዝበሃል ከምዘይኮነን ብስልጠና ከምዝዓብን ኣገንዚቡ።

Categories