ማሕበራዊ ድሕነት ዜጋታት ንምርግጋጽን ናይ ሽቕለት ዕድል ዝፈጥር ባይታ ንምጥጣሕን፡ ባህልን ክብርታትን ብዝግባእ ክውረሱን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገሩን ከምዝግባእ፡ ሚኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ወ/ሮ ልኡል ገብረኣብ ኣገንዚባ።

ብ10 ሕዳር ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝገበረቶ ሰሚናር፡ ሚኒስተር ልኡል፡ ድሕረ-ባይታን ኣመዓባብላን ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት፡ ግደ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ዕዮ ከም ኣምርን ምሕደራኡን፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ድሕነትን ተልእኾኡን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ሰፊሕን ታሪኽ-ጠቀስን መግለጺ ሂባ።

ዕዮ፡ ደቂ-ሰባት ነገራውን መንፈሳውን ድሌታቶም ንምርዋይ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ምዃኑ – እዚ ድማ፡ ምፍራይ ኣቕሑትን ምሃብ ኣገልግሎትን ከምዘጠቓልል፡ እቲ ዓያዪ ጉልበት ብሞያን ትምህርትን ዝሰጐመ፡ ፍልጠቱን ክእለቱን ኣብ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክብ ዝበለን ንቕሓቱ ዝበረኸን ምስ ዝኸውን ከኣ፡ ቁጠባዊ ኣፍራይነቱ ልዑል ምዃኑ ኣረዲኣ።

ንማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ሃገርና ብዝምልከት፡ ዝተሃስየ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ንሓዋሩ ርእሱ ዝኽእለሉ፡ ንድሌታቱን ቀዳምነታቱን ኣብ ግምት ዘእቱ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ዘይትንክፍ፡ ንሰክዔት ማሕበራዊ ሂወት ዘጣጥሕ ክኸውን፣ ተጻዋርነትን ናይ ስራሕ ተበግሶን ዘልምስ ከይከውን ድማ – ልዑል ጥንቃቐን ውሕሉል ኣተሓሕዛን ክህልዎ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣብሪሃ።

ብኻልእ ወገን፡ እቲ ኣብ ሳዋ ንተመሃሮ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ-ይከኣሎ ዝወሃብ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ኣብ ምሕያል ብቕዓቶምን ውጽኢቶምን ዓቢ ኣበርክቶ ከምዘለዎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ኣካዳሚያዊ ጉዳያት ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ምሕረትኣብ ገብረስላሴ ሓቢሩ።

ኣብ’ዚ ናይ ተወሳኺ ትምህርቲ መደብ፡ ልዑል ተወፋይነትን ትግሃትን መማህራን፡ ሓያል ወኒን ድሌትን ተመሃሮ፡ ልዑል ተገዳስነትን ተራን ኣለይቲ ተመሃሮን መሻርኽትን ከምዝንጸባረቕ – መምህር ምሕረትኣብ ኣረዲኡ።

Categories